SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Categories: News & Politics

Listen to the last episode:

ንሎሚ ሓሙስ 02 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብምኽንያት እዚ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝጸምዎ ዘለዉ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ ጥዕና የዋጽእ ዶ፧ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ብዛዕባ ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ዝብል እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

Previous episodes

  • 5023 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024) 
    Thu, 02 May 2024
  • 5022 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024) 
    Thu, 02 May 2024
  • 5021 - ጉዳይ ደ/ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ም/ትግራይ ድማ ክሳብ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 
    Thu, 02 May 2024
  • 5020 - መዓልታት ሕማማትን ተግባራትን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስ መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ። 
    Wed, 01 May 2024
  • 5019 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2024) 
    Wed, 01 May 2024
Show more episodes

More canadian news & politics podcasts

More international news & politics podcasts

Choose the genre of podcast